ናይ ባዕልኹም ትካል ምውናን እትደልዩ
ሜላ ክንሕብረኩም ሓንሳዕ ተደሃዩ
ብውልቀ ብማሕበር ስራሕ እተሳልጡ
እስቲ ምስ ትካልና ሓንሳእ ተፋለጡ
ንቺፕስ፣ በርገር፣ ፒዛ ፣ንብሽኩቲን ኬክን
ኣትክልትን ፍራምረን መውቅዒን መፅሞቒን
ማሽናት ኣለውና ብመጠንን ዓይነትን
ኣብ ብሽኩቲን ባኒን ስራሕቲ እትነጥፉ
ናይ ማሽናት ነገር ኣባና ተደገፉ
መሰንከቲ መልወሲ ከምኡ እውን መፍኮሲ ቢሑቕ
ካባና ውሰዱ ከይከድኩም ናብ ርሑቕ
መድሃፂ፣ መቑረፂ፣ መንኮሊ ዓይኒዓይኒ
ንብሽኩቲ ንኩኪስ ስራሕ መከናወኒ
መፍፅሒ ቆሎ ስገም ቀለብ እንስሳት መሕወሲ
ግሪል መብሰሊ በርገር ቺፕስ ድኑሽ መጥበሲ
እነሆ ማሽናት ብዘየማትእ ዕግበት ሕቶ ወገናት መላሲ
ፈሳሲ ሳሙናታት ንምስራሕ ዝውዕሉ
ብውሱን ደቓይቕ ብዙሕ ምዕያይ ዝኽእሉ
ማሽናት ክነሪአኩም ጥራሕ ደበኽ በሉ
ጉዕዞ ከየድለየ ብኣየር ብመርከብ
ምህርቲ ዓድጉ ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ
ዶላር ዘይሓትት ናይ ወፃኢ ሸርፊ
ወጋኡ እውን ዝቕንስ ካብ ናይ ደገ ብዕፅፊ
ፍሉይ ማሽን ኣለና ናይ ባዕልና ንድፊ
ኣብ ስራሕ ዘንጥፍ ብዙሕ ዝዓይነቱ
ብቅልጡፍ ዝልመድ ምችው ብቕለቱ
ምሳና ኣሎ ማሽን እኹል እቶት ዘእቱ
ምፁሞ ንላዘብ ዝርዝር ኩነታቱ
ጥንካረ ንዘመናት ዋጋ ብምኽንያት
ምስ እኹል መተካእታ መለዋወጢ ኣቑሑት
እሩም ድምፂ ኣልቦ እዝኒ ዘይሙግት
ማሽን እኒሀኩም ምፁታ ወገናት
መረዳእታ እንተድልዩ ነዙይ መረጋገፂ
ማሽንና ብኹሉ ምዃኑ ተመራፂ
ክነግርኹም እዮም ዓማዊልና ብግልፂ
ጠንካራ ንምዃኑ ዘመናት ዘሳግር
ብዘይ ምንም ፀገም ዕዮኻ ዘተግብር
ክነግርኹም እዮም ቀዳሞት ሰብ ጭቡጥ ቁምነገር
መፂእኹም ረኣዩ ገምጊምኩም ወስኑ
ብተግባር ፈቲንኩም ብውሳኔኹም ክትሕበኑ
ኣድራሻና ኣብዚሎ ተለጢፉ ኣብ ታሕቲ
ኣቲኹም ረኣዩ ትካልና ሕረዩ ክትዓብዩ ምእንቲ
